Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ንምጥንኻርን ናብ ስራሕ ዘይተመለሱ ንምምላስን ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣28 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ንምጥንኻርን ናብ ስራሕ ዘይተመለሱ ንምምላስን ዓሊሙ ምስ መሻርኽቲ ትካላት ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ምስ ኤጀንሲታት፣ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ሰብኣዊን መሻርኽቲ ልምዓትን ዘስርሑ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉ እወን ተሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዋ ጣቢታት ጥዕናን ሆስፒታላትን ኣብዚ ሐዚ እዋን 46 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዝኾና ኣገልግሎት ንክህባ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ኣብ ትካላት ጥዕና መድሓኒትን ናውቲታት ጥዕናን ንምሙላእ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ሚኒስቴር ጥዕና ብኤጀንሲ ኣቕርቦት መድሓኒት ከምኡወን ምስ ካልኦት ትካላት ብምዃን ልዕሊ 310 ሚሊየን ብር ዝግመት መድሓኒትን እታዎትን ደገፍ ገይሩ።

ብተወሳኺ እቲ ቤት ዕዮን ኤጀንሲታትን ንዝተፈላለዩ መርሃግብሪታት መፈፀሚ ዝውዕል ብድምሩ 215 ሚሊየንን 86 ሺሕን 658 ነጥቢ 69 ብር ንክመሓላለፍ ተገይሩ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብቱ ክልል ንዝተመዛበሉ ወገናት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብናፃ ንክረኽቡ ይግበር ዘሎ እንትኸውን፥ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ 80 ሓካይም፣ 25 ነጥስታት ከምኡውን 15 መዋልዳን ነርስታት ቁፃር ብሚኒስቴር ጥዕና ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

እቶም ሰብ ሞያታት ኣብ ኩሎም ማእኸላት ተመዛበልቲ ብምምዳብ ናብ ስራሕ ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ ልዑል ቁፅሪ ኣብ ዘለዎም 17 ማዕስከራት ማእኸለዎት ክሊኒካት ንክጣየሹ ከምዝተገበረ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያኡ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.