Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት እጃሙ ንኽዋፃእ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮግራም ሴፍቲኔት፥ ኣብ ክልል ትግራይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሙ ንኽዋፃእ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

መተሓባበሪ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔትን ውሕስና ምግቢን ኣይተ መሓሪ ሕሸ ምስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ቀንዲ ጠመተ እቲ ፕሮግራም ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ከም ስራሕቲ ልምዓት ዕቃባ ሓመድን ማይን ኣብ ዝበሉ ልምዓት ሕብረተሰብ ዝንቀሳቐሱሉ ሓገዝ ብምግባር ውሕስና ምግቢ ከረጋግፁ ምግባር ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ዓመት ከም ክልል ንፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት 7 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር በጀት ተሰሊዑ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተዛሪቦም፡፡

ከም ክልል በቢወርሑ 120 ሚሊየን ብር ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ንዝንቀሳቐሱ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተኸፋፈለ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም፡፡

ንፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ዝተመደበ በጀት ኣብ ረብሓ ብምውዓል ውሕና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሙ ንኽዋፃእ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ድማ ኣብሪሆም።

እቲ በጀት ካብ ተፀባይነትን ድኽነትን ንምውፃእ ልዑል ዓቕሚ ከምዝኸውን ብምግላፅ፥ እዚ ብግቡእ ንምትግባር ኣብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ዳይሬክተር ልምዓት ሆርቲካልቸር እቲ ቢሮ ኣይተ ሃይለ ታደለ ብግደኦም፥ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ መስኖ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል 228 ሺሕን 906 ሓረስቶት ኣብ ልምዓት መስኖ ተረባሕቲ ክኾኑ ብምግባር ብምግቢ ርእሶም ዝኽእሉሉ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ኣብሪሆም።

“ሓረስታይ ትግራይ ብዝናብ ክረምቲ ብዝረኸባ እቶት ጥራሕ ዓመት ሙሉእ ክምገብ ኣይኽእልን ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ካብ ናይ ሰማይ ዝናብን ካብ መስኖ ማይን ብምጥቃም ውሕስና ምግቡ ከረጋግፅ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ሓረስታይ እውን ካብ ዘለዎ ኩነታት ንምንጋፍ ዓርሰ ተበግሶ ብምሓዝ ኣብ ልምዓት መስኖ ፍሉይ ጠመተ ሂቡ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ተበግስኡ ንምጥንኻርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዝግበር ፃዕሪ ንምዕዋት፥ ሓገዝ ዘበናዊ ቴክኖሎጂን እታወታትን ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.