Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት መሊስካ ንምጥያሽ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ጎንፂ ጉድኣት ዝበፅሖም ማእኸለዎትን ኣናእሽተይን ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ንምድጋፍ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ጳውሎስ በርጋ÷ እቲ ዓውዲ እግሪ ንኽሓዊ ኣብ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን እዋን ዝስርሑ ስራሕቲ ከምዝተፈለዩ ገሊፆም፡፡

ብፍሉይ ኩነታት ሓገዝ ንምግባር ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ብምግላፅ÷ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግራይ ብምምራሕ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ክጅመሩ ኢዮም ምባሎም ካብ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምክትል ቢሮ ሓላፊ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ መሓሪ ገብረሚካኤል ብግደኦም÷ እቶም ኢንተርፕራይዛት ብዝተፈላለየ ብርኪ ዕንወት ከምዝበፅሖምን ክሳብ ሕዚ ዝተጀመረ ስራሕ ከምዘየለን ኣረጋጊፆም፡፡

ዘጋጠመ ዕንወት ልዑል ብምዃኑ ነቲ ክልል ዝምጥን መምርሒ ተሰናዲኡ ዕዳ ዝስረዘሉን ሓደሽቲ ልቓሓት ብቕልጡፍ ተበፃሒ ዝኾነሉን ኩነታ ንኽመዓራረ ንደሊ ኢና ኢሎም፡፡

እቶም ኢንተርፕራይዛት ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ምእታው ኣብ ኩለመዳይ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ምብፃሕ ስለዝኾነ÷ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽዋፅ ፃዒት ኣቕሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.