ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ናብ ንቡር ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ናብ ንቡር ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ገሊፁ።
ኣብቲ ክልል በቢብርኩ ዝርከቡ ሓለፍቲን ሰብ ሞያን ዓውዲ ትራንስፖርት ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ዝዓለመ ስልጠና ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ዓውዲ ትራንስፖርት፣ ፅንሰ ሓሳባት ሎጂስቲክስ ዝጠመተ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር በርኦ ሀሰን፥ ብዙሓት ጉድለታት ዝረኣይሉ ዓውዲ ትራንስፖርት ክልል ትግራይ ንምምዕርራይ እቲ ሚኒስቴር ዝጀመሮም ደገፋት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።
ሓላፊት መሰረተ ልምዓት ካቢኔ ሴክሬታሪያት እቲ ክልል ያለም ፀጋይ ብግደአን፥ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ዘሎ ዓቕሚን ደገፍ እቲ ሚኒስቴርን ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ኣብ ምውዓል ኩላትና ትፅቢት ዝግበረልና ክንዋፃእ ኣለና ኢለን።
ብዮሓንስ ደርበው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።