Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ 2016 ዓ.ም 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክኸቱ ከምዝተገብረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 2016 ዓ.ም 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክኸቱ ከምዝተገብረ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ኣፈፃፅማ መደባት ትምህርቲ 2016 ዓ.ምን ቀፀልቲ ኣንፈታት 2017 ዓ.ምን ዝጠመተ ገምጋም የሳልጥ ኣሎ።

ሓሊፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ  ኪሮስ ጉዕሽ(ዶክተር)፥ ኣብ 2016 ዓ.ም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ ካብ ዝግበኦም 2 ነጥቢ 48 ሚሊየን ተምሃሮ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ኢዮም ኢሎም።

እቲ ቁፅሪ ክቕንስ ዝኸኣለ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ብተመዛበልቲ ምምለአን፣  ብምኽንያት ኲናት ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናወንን ካልኦትን ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ፥ ስርዓት ትምህርቲ እቲ ክልል ናብ ንቡር ንምምላስ  ልዕሊ 5 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.