ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ 60 ሺሕ ሄ/ር መሬት ዕቀባ ሓመድን ማይን ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ ዘበን እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ እያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር)፥ ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ወርሒ ጥሪ መወዳእታ ንምጅማር ዘኽአል ምድላዋት ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
ካብ መንጎ እቲ ምድላው፥ ኣብ መሬትን ስራሕን ዝሳተፍ ሓይሊ ሰብ ናይ ምልላይ ስራሕ ሓደ ኢዩ ኢሎም።
ኣብት ክልል ኣብ እዋን ሓጋይ ህዝቢ ዘሳተፈ ኣብ ልዕሊ 60 ሺሕ ሄክታር መሬት ናይ ተፋሰስን ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ስራሕቲ ከምዝካየድ ተዛሪቦም።
ሓረስቶትን ክኢላታትን ብምውዳብ ንስራሕቲ እቲ ልምዓት ዘድሊዩ ናውቲታት ናይ ምድላው ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረዲኦም።
ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 40 ሺሕ ሄክታር መሬት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ምክያዱ ድማ ኣዘኻኺሮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።