ኣብ ትግራይ ኣብ ምጥያሽ ዝርከባ ትካላት ፋይናንስ ሓረስታይ ኣብ ምስታፍ ትኹረት ክገብራ ይግባእ – ሙሁራን
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ምጥያሽ ዝርከባ ትካላት ፋይናንስ ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ሃገር ዝኾነ ሓረስታይ ኣብ ምስታፍ ትኹረት ክገብራ ከምዝግባእ ሰብሞያ ኢኮኖሚን ቢዝነስን ገሊፆም።
ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ሞያውያን÷ ህዝቢ ትግራይ ምስ ትካላት ዕቋርን ልቃሕን ቀዲሙ ዝተላለየን ልዑል ልምዲ ዘለዎን ህዝቢ ኢዩ ኢሎም።
ይኹን እምበር ግዚኡ ዝጠልቦ ሓገዝ ቴክኖሎጂ ኣብ ምግባር ዓበይቲ ጉድለታት ከምዘሎን ኣብ ምሕደራ ቁጠባ ልዑል ፅልዋ ከምዘሕደረን ገሊፆም፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራማሪን ኢኮኖሚ ተክኤ ኣለሙ (ፕ/ር )÷ “ሎሚ ዘለካ ገንዘብ ምስ ፅባሕ ኣመጣጢንካ ንምንባርን ኣብ ሞንጎ ሎሚን ፅባሕን ዘሎ ድሌት ንምምጥጣንን ባንኪ ወሳኒ መስርሕ ኢዩ” ኢሎም፡፡
ባህሊ ቁጠባ ህዝቢ ትግራይ ምዕቡል ዋላኳ እንተኮነ ክንድቲ ዝድለ ጥንኩራትን ምዕቡላትን ትካላት ፋይናንስ ከይረኸበ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም፡፡
ኢኮኖሚስት ኣይተ ቶማስ ሃይሉ ብግደኦም÷ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጉድለት ትካላት ፋይናንስ ንምንካይ ዝግበሩ ፃዕርታት መፅናዕቲ ብምክያድ ባንኪ ምጥያሽ ኣድላዪ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡
ትግራይ መሊስካ ንምህናፅን ካብቲ ዝነበረቶ ንላዕሊ ንምዕባይን ትካል ባንኪ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ባንኪ ዝገብሮም ዕማማት ወሳኒ ግደ ከምዘለዎም ድማ ኣማኻሪ ቢዝነስ ኣይተ ገ/ዋህድ ወ/ጊዮርጊስ ኣብሪሆም።
ፋይናንሳዊ ትካላት ንልምዓት ትግራይ ዘለወን ኣድላይነት ንምዕዋትን ኣብ ጫፍ ንምብፃሕን÷ ኣብ ትግራይ ኣብ ምጥያሽ ዝርከባ ትካላት ፋይናንስ ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ሃገር ዝኾነ ሓረስታይ ኣብ ምስታፍ ትኹረት ብምግባር ክሰርሓ ከምዝግባእ እቶም ሰብሞያ ኢኮኖሚን ቢዝነስን ኣገንዚቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com