ኣብ ትግራይ ኣብ ምድላይ ዕደና ተዋፊሮም ዝነበሩ ኩባኒያታት ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ክጅምሩ ኢዮም-ሚኒስቴር ዕደና
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ምድላይን ምፍራይን ዕደና ተዋፊሮም ዝነበሩ ኩባኒያታት ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ክጅምሩ ኢዮም ክብል ሚኒስቴር ዕደና ገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ሚሊዮን ማቴዎስ፥ እቶም ዓለም ለኸ ኩባኒያታት ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ስርሖም ንምስላጥ ተፀጊሞም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ሐዚ እዋን ስራሕ ንምጅማር ዘኽእል ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሮም።
መንግስትን ህወሓትን እቲ ክናት ደው ንምባልን ዘላቒ ሰላም ንምምፃእን 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ዝኸተምዎ ስምምዕነት ሰላም ጥፕሪቶሪያ ከም ሃገር ኣብ ዓውዲ መዓድን ንዝተዋፈሩ መዳርግቲ ኣካላት እፎይታ ዘምፅአ ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ወርቅ፣ ሲሚንቶን ካልኦት መድላይን ምፍራይን ዕደና ዝተዋፈሩ ኩባኒያታት ናብ ስራሕ ንክምለሱ ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረሎም ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።