Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ምክልኻል ሕማም ኤች ኣይቪ/ኤድስ ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረተሰብን ዘሳተፈ ኣብ ምክልኻል ሕማም ኤች ኣይቪ/ኤድስ ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ተወካሊ ምክልኻል ምቁፅፃርን ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ሚኒስቴር ጥዕና ኣይተ ሃፍታሙ ካሳ፣ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ብምትሕብባር ሚኒስቴር ጥዕናን ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ እንትኸውን፥ ሕማም ኤች ኣይቪ/ኤድስ ንምክልኻል ኣብ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ መናእሰይ ዝርአ ዘሎ ዘይምግዳስ ንምውጋድን ስራሕቲ ምክልኻል ንምጥንኻርን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ሃፍታሙ ካሳ፥ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ምክልኻል ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ሕዚ ንድሕሪት ከምዝተመለሰ ሓቢሮም።

ኣቦታት ሃይማኖት ምስ መናእሰይ ዘለዎም ቕርበት ተጠቒሞም ግቡእ ኣስተምህሮ ክህቡን ከንቅሑን ዓብዪ ሓልፍነት ከምዘለዎም ተረዲኦም እጃሞም ከበርክቱ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ ደቂኣንስትዮ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ዘስዓቦም ተደራረብቲ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት፥  ነቲ ቫይረስ ተቓላዕቲ ናብ ዝገብረን ስራሕ ከይዋፈራ መራሕቲ ሃይማኖት ጠመተ ሂቦም ክሰርሑ ተላብዮም ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.