Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ መበል 128 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ዘድሃበ ዓውደ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መበል 128 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ዘድሃበ ዓውደ ዘተ ተሳሊጡ።

እቲ ዓውደ ዘተ “በዓል ዓወት ዓድዋ ንሰላም፣ ሓድነትን ብራኸ ትግራይን” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ዝከምዝተሳለጠ ተገሊፁ።

መበል 128 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከም ዝኽበርን ካብቶም ምድላዋት ሓደ ዓውደ ዘተ ምዃኑን ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ ኣሎ።

ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት በዓል ዓወት ዓድዋ እንትነኽብር እንታይ ፀገማት ነይሮምዎ፣ ሐዚ እቶም ፀገማት ብከመይ ክንቀርፎ ይግባእ ዝብሉን እውን ኣብቲ ዓውደ ዘተ ተላዒሎም እዮም።

ብርክት ዝበሉ ሙሁራት ታሪኽን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ምስታፎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.