ኣብ ትግራይ ን22 ወረዳታት ልዕሊ 102 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዝተባፅሐ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ን22 ወረዳታት 102 ሺሕን 267 ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዝተባፅሐ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዝርከብ ዝሓበረ እቲ ቢሮ፥ ኣብ ሕርሻ ምንጣፍ ንቐፃሊ ህልውና ወሳኒ ብምዃኑ ሓረስታይ ዋላ ኣብ ዝተፃበበ እዋን ሕርሻዊ ንጥፈታቱ ንኽውግን እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡
ነዚ ድማ ኣብ ክራማት እዚ ዓመት ከም ክልል ትልሚ ሓደጋ እዋን ብምሕንፃፅ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምውዳድ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ዝገለፀ እቲ ቢሮ፥ ኣብ እታወታት ቀረብ ዝራእቲን ዘመናዊ ድኹዕን ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ከም ኣገላልፃ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፥ ንዘበነ ምህርቲ 2013/14 ከም ክልል 800 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ንምጥቃም ትልሚ ተታሒዙ ነይሩ።
ዛጊድ 260 ሺሕን 538 ኩንታል (39,933.5 ኩንታል ዩርያ፣ 220,544.5 ኩንታል ኤን ፒ ኤስ) ካብ ወደብ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።
ብምሩፅ ዘርኢ ድማ ልዕሊ 492 ሺሕ ኩንታል ንምቕራብ ዝተትሓዘ ትልሚ፥ ዛጊድ 35 ሺሕን 599 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ( ስርናይ 29,606 ኩንታል፣ጣፍ 2,575.1 ኩንታል፣ ዕፉን 6,303.75 ኩንታል፣ ስገም 100ኩንታል፣ ኣዕታር 30 ኩንታል) ብተመሳሳሊ ናይ ከባቢ ዘርኢ እውን 4,398.5 ኩንታል( ምሸላ 2,548.5 ኩንታል፣ ስገም 1,850 ኩንታል) ከምዝቐረበ ገሊፁ።
ብኽልል ብርኪ ካብ ዝኣተወ ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ እቲ 102 ሺሕን 267 ኩንታል ናብ 22 ወረዳታት ዝተጓዓዓዘ እንትኸውን፥ ካብዚ እቲ 23 ሺሕን 285 ኩንታል ናብ ኢድ ሓረስቶት ምብፅሑ ኣረዲኡ፡፡
ብተወሳኺ 8 ሺሕን 970 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ናበ 11 ወረዳታት ከምዝተልኣኸ ዝገለፀ እቲ ቢሮ፥ 913 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ኢድ ሓረስቶት በፂሑ ኢሉ፡፡
ካብን ናብን ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ውሑስ ዘይምዃን፣ ኣብ ኬላታት ምድንጓይን ምኽልካልን ምህላዉ፣ ፀገም ትራንስፖርተሽን ምህላዉ፣ ስቶራት ዘይምህላውን ኣብ ዘለወን ድማ ንሓለዋ ኣፀጋሚ ምዃንን፣ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ ብሰንኪ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ሓረስቶት ካብ መረበቶም ምምዝባሎምን ቀረብ እታወታት ብስሉጥ ንምብፃሕ ካብ ዘፀግሙ ፀገማት ከምዝኾኑ እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ሰላም ዝሰርሑ ኣካላት ፍሉይ ትኹረት ሂቦም ክሕግዙ ከምዝግባእ ምሕታቱ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!