Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ን2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ይቐርብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ን2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ምግብን ምግቢ ተንከፍን ሓገዝ ይቐርብ ከምዘሎ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓን ሓደጋን ድልውነትን ምትኩ ካሳ ተዛሪቦም።

ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ቅድሚ ምክያዱ 1 ነጥብ 8 ሚሊየን ዜጋታት ደለይቲ ሓገዝ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፥ ምኽባር ሕጊ ድሕሪ ምዝዛሙ 780 ሺሕ ዜጋታት ተወሳኺ ሓገዝ ዝደሊዩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ትማሊ ን2 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ከምዝቐረበ ገሊፆም።

200 ሺሕ ኩንታል ስንዳይን 690 ሺሕ ኩንታል ስንዳይ ልምዓታዊ ሰፍቲኔትን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ብምሕባር፥ ኣብ ቀረባ እዋን ንሕብረተሰብ ከምዝከፋፈል ሓቢሮም።

ሓገዝ ንምክፍፋል ትራንስፖርትን ሓገዝን ብፍትሓውነትን ናይ ምክፍፋል ፀገም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ፀገም ማሕበረሰብን ትካላት ትራንስፖርቲን ብምትሕብባር ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብብስራት መለሰ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.