Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 560 ሺሕ ሰባት ተረባሕቲ ፅሩይ መስተ ማይ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ዓመት ንልዕሊ 560 ሺሕ ሰባት ተረባሕቲ ፅሩይ መስተ ማይ ንምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ተገሊፁ።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ሃፍቲ ማይ እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ፍቓዱ ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕፀረት መስተ ማይ ንምንካይ ብር 400 ሚሊየን በጀት ተመዲቡ ይስራሕ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ዓሞቕቲ፣ ማእኸለዎትን ኣናእሽተይን ጎዳጉዲ ንምህናፅ ኣብ ብርኪ ስራሕቲ ዲዛይንን ኳዕቲን ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣብ ከተማታት ማይጨው፣ ዓዲግራት፣ ኣኽሱም፣ ሽረ እንዳስላሴን ሽራሮን ንዘሎ በዝሒ ህዝብን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስን ዝምጥን መስተ ማይ ንምቕራብ ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

መመሓየሺ ፕሮጀክትታት ቀረብ መስተ ማይ ከተማታት ዓዲግራትን ማይጨውን ተዛዚሞም ኣብዚ ሕዚ እዋን ንግልጋሎት ከምዝበቕዑ እውን እቶም ሓላፊ ቢሮ ገሊፆም።

ንግልጋሎት ቀረብ መስተማይ ከተማ ሸራሮ ዝውዕል ኣቐዲሙ ንዝተሃነፀ ንኡሽተይ ግድብ ማይ፥ ስራሕቲ ህንፀት መተሓላለፊ መስመር ምዝዛሙን ስራሕቲ ገጠማ ኤሌክትሮ መካኒካል ከምዝተርፎን እውን ኣብሪሆም።

ንግልጋሎት ማይ ከተማ ኣኽሱም ዝውዕል ግድብ ንምህናፅ ድማ ስራሕቲ ዲዛይንን ቅድመ ህንፀትን ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጦም።

ኣብ ትግራይ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይ ዘይተባፀሐለን ከባቢታት ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ፥ ኣቐዲመን ዝተሰርሓ ትካላት ማይ ዘላቕነት ንኽህልወን ስራሕቲ ፅገና እናተገበረ ምዃኑ ኣይተ ጌታቸው ተዛሪቦም።

እተን ፕሮጀክታት ማይ እንትዛዘማ ኣብዚ ሕዚ እዋን 57 ሚኢታዊ ዘሎ ሽፋን ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይ እቲ ክልል ናብ 65 ሚኢታዊ ክብ ከምዘብሎ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.