ኣብ ትግራይ ብገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ 7 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ብገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ሸውዓተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ።
ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ መዓሾ ኣስመላሽ ከምዝገለፁዎ÷ ጎይቶኦም የማነ ለገሰ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ብዕለት 1 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብታ ወረዳ ንኽልተ ደቂ ኣንስትዮ ብምትላል “ናብ ስዑድ ዓረብ ክወስደክን እየ” ብምባል ምንቅስቓስ እንትጅምር ብክትትል ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ክውዕል ክኢሉ።
ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ዝወዓለሉ እዋን ጀሚሩ ኣድላዪ ስራሕቲ ምፅራይ ብምክያድ ድማ መዝገቡ ናብ ቤት ፍርዲ ክምራሕ ተገይሩ።
ብምዃኑ እውን ነዚ ንምርኣይ ዝተሰየመ መጋባእያ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ÷ ተኸሳሲ ጎይቶኦም የማነ ለገሰ ብዝፈፀሞ ዘይሕጋዊ ተግባር ገበነኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ፤ ሸውዓተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲን ክልተ ሽሕ ብር ጥረ ገንዘብን ክቕፃዕ ከምዝወሰነ እቶም ኣዛዚ ገሊፆም።