Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ኣብ ልዕሊ ኣዝርእቲ፣ ገዛውትን እንስሳን ሓደጋ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሰለዋ ጣቢያ ስምረት ቁሸት ኣምባ ብፍላይ ድማ ኣብ ጎጣት ማይ ኣምላን ምችኣል ኣምላን ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ኣብ ልዕሊ ኣዝርእቲ፣ ገዛውትን እንስሳን ሓደጋ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ።

እቲ ጋህሲ መሬት ኣብቲ ከባቢ ብምኽኒያት ዝዘነበ ልዑል ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብጭቡጥ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ መረዳእታ ልዕሊ 725 ሄክታር ብዝራእቲ ዝተሸፈነ መሬት ብምኽንያት እቲ ጋህሲ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ልዕሊ 479 መራሕቲ ስድራን ልዕሊ 2 ሺሕ እስትንፋስን ኣብ ዝውንንዎ ብርክት ዝበለ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ድማ ሓደጋ ከምዝበፅሐ ካብታ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ስለዝኾነ ዝምልከቶም ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ዞባን ነቲ ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው በቲ ሓደጋ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ክፋላት ማሕበረ ሰብ ብህፁፅ ኩለመዳያዊ ትሕብብር ንክግበረሎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣገልግግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ 22 ሓምለ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ምስ ዝናብ ክራማት ተዛሚዱ ንሓደጋታት ተቓላዒ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዜጋታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ንክገብሩ መትሕስሳቡ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.