Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብወፍሪ ሓምለዋይ ልምዓት ልዕሊ 31 ሚልየን ፈልስታት ክትከል ኢዩ-እያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 31 ሚልየን ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል ወፍሪ ሓምለዋይ ልምዓት ብዕሊ ንምጅማር ዘኽእል መድረኽ ዘተ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ምስ መድረግቲ ኣካላት የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ፌደራልን ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ዝተወከሉ ሰብ ሞያ ሕርሻ ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ እያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር)፥ ሎሚ ዘበን ብብርኪ ክልል ልዕሊ 31 ሚልየን ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ ኢሎም።

እቶም ዝትከሉ ፈልስታት ብቐጥታ ናብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ክቕየሩ ዝኽእሉ ንክኾኑ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ እውን ኣረዲኦም።

ኣብቲ መስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ምዕቃብ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ምኽላል ደኒን ዕቀባ ጠሊን ኣድሂቡ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ይቐርብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.