Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብብርኪ ክልል ስልጠና ልምዓት መስኖ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ክልላዊ ስልጠና ልምዓት መስኖ  ኣብ ኣዳራሽ ቅድስት ማርያም ውቕሮ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ሰብ ሞያ ሕርሻ ዝሳተፍሉ ስልጠና፥ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ መዓልትታት ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ ሰለስተ ዞባታት ምብራቕ፣ ድቡብ ምብራቕን ድቡብን ዝምፅኡ ሓለፍቲ ዘፈር ቁጠባ፣ መተሓባበርቲ ከይዲ ስራሕ ግልጋሎት ኤክስቴንሽን፣ መተሓባበርቲ ልምዓት መስኖ ሆርቲካልቸን ኪኢላታት ልሙዕነት ሓመድን፣ ሓለዋ ዝራእቲ ካብ ክፍላተ ከተማታት ድማ ሓለፍቲ ዘፈር ቁጠባን መተሓባበርቲ ከተማ ሕርሻን ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ብምርካብ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እያሱ ኣብራሃ (ዶ/ር)፥ ናይ ሎሚዘበን መስኖ ብመጠን፣ ፅሬት፣ ግዜን ተወዳዳራይነትን ዝሓሸ ንምግባር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ውሕስና ምግብን ስርዓት ኣመጋግባን ክረጋገፅ፣ ምህርቲ ሓረስታይ ምስ ዕዳጋ ክተኣሳስር ትፅቢት ከምዝግበር እውን ምዝኽኻሮም እቲ ቢሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.