Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ መዓልታዊ ሓደ ሰብ ህይወቱ ይስእን ኣሎ-መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ መዓልታዊ ሓደ ሰብ ህይወቱ ይስእን ከምዘሎ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ጠሚቱ ዝቐረበ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።
ብተወሳኺ መዓልታዊ ክልተ ሰባት ብኸቢድ፣ ሓደ ሰብ ድማ ብቀሊል ንኽጉድኡ ምኽንያት ይኸውን ከምዘሎ ብመፅናዕቲ ምርግጋፁ ተሓቢሩ።
“ሓደጋ ትራፊክ እናተኸላኸልና ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ንረባረብ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ብቢሮ መጓዓዝያን መራኸብን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተዳለወ መፅባዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ።
ምክትል ሓላፊት እቲ ቢሮ ወ/ሪት ራሄል ሃይሉ፥ ሓደጋ ትራፊክ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ይምፅእ ኢለን።
እዚ ንምንካይ ኩሉ ሰብ ግደኡ ክፍፅም ድማ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ኣብቲ ዘተ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረበት መምህር መገዲ፣ መጓዓዝያን ምህንድስናን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሃረያ ኣማረ፥ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ መዓልታዊ ሰብ ይመውት ምህላዉ ብመፅናዕቲ ተረጋጊፁ እዩ ኢላ።
ቀንዲ መንቀሊ እቲ ሓደጋ፥ ልዕሊ ዓቐን ናህሪ ምግናሕ፣ ንእግረኛ ቀዳምነት ዘይምሃብ፣ ካብ መስመር ወፃኢ ምግናሕ፣ ኣብ መንጎ መካይን ዝነኣሰ ርሕቐት ዘይምህላውን ምትሓት ብቕዓት
ኣሽከርከርትን ከምዝኾነ እቲ ዝቐረበ መፅናዕቲ የረድእ።
እግረኛታት መገዲ እንተቋርፁ ዜብራ ኣብ ምጥቃም ዘሎ ክፍተት አውን ተወሳኺ ምኽንያት ምብርኻት እቲ ሓደጋ ምዃኑ ተሓቢሩ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.