Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ  ብሚልየን  ንዝቑፀሩ ሰባት  እኽሊ መግቢ ምቕራብ ብምኽኣሉ ከጋጥም ዝነበረ ሓደጋ ጥምየት ምድሓን ከምዝተኸኣለ  ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ  ብሚልየን  ንዝቑፀሩ ሰባት  እኽሊ መግቢ ምቕራብ ብምኽኣሉ ከጋጥም ዝነበረ ሓደጋ ጥምየት ምድሓን ከምዝተኸኣለ  ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣድሪያን ቫን ደር ክናፕ ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለፅዎ፥  መንግስቲ ቀረብ ሰብአዊ ሓገዝ ንምስላጥ ክብል ጎንፂ ጠጠው ከብል ምውሳኑ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብሚልየን ንዝቑፀሩ ዜጋታት  እኽሊ ምግቢ ክበፅሕ  ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ጎንፂ ጠጠው ምባሉ ስዒቡ ብሚኢቲ  ዝቑፀራ ተሽከርከርቲ ምግቢ ፅዒነን ኣብቲ ክልል ሓገዝ ንዘድልዮም ከባብታት ከብፅሓ ክኢለን እየል ኢሎም።

ድሕሪ እቲ ጎንፂ ንክቋረፅ ምውሳኑ ቀረብ መግቢ ብዘይ ምቁራፅ እናተኻየደ ከምዝፀንሐን ክሳብ ሕዚ እኽሊ ዝፀዓና  4 ሽሕ መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከምዘእተዋ ገሊፆም።

በዚ ምኽንያት ድማ ን1 ነጥቢ 1 ሚልየን ዜጋታት መግቢ ምቕራብ ተኻኢሉ ኣሎ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.