Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብመሰረት ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ  መፅሓፍ ተምሃራይ ንምድላው  ዘኽእል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ቅድመ ቀደማይ ጀሚሩ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ብመሰረት ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ መምርሒ መምህርን መፅሓፍ ተምሃራይን ንምድላው ዘኽእል ዘተ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝምልከቶም ኣካላትን ይሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ህልዊ ምስሊ ኣብያተ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዝጠመተ መብርሂ ብሓላፊ እቲ ቢሮ  ኪሮስ ጉዑሽ(ዶክተር) ተዋሂቡ።

እቶም ሓላፊ፥ ብሰንኪ ሕፅረት በጀትን ካልኦት ምኽንያታትን ኣብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ መፅሓፍ ተምሃራይን መምርሒ መምህርን ከምዘይተዳለወ ገሊፆም።

ተምሃሮ ትግራይ ምስ ዓለምን ከባቢኦምን ብዝላለዩሉን ነዚ ዘመን ብዝምጥንን መገዲ መፅሓፍ ንምድላው ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲድካ ከምዝስራሕ እውን ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.