Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 201 ሚልየን ብር ዝግመት ሓገዝ ምግቢ ናብ 15 ከተማታት ምጉዓዓዝ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ” ብዝብል ወፍሪ ብዝተኣከበ ልዕሊ 201 ሚልየን ብር ዝተዓደገ ሓገዝ ምግቢ ናብ 15 ከተማታት ክልል ትግራይ ምጉዓዓዝ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

እቲ ሓገዝ ዕፉን ብ18 ተሽከርከርቲ ብምፅዓን ናብ ንዝተፀገሙ ወገናት ይጎዓዓዝ ከምዘሎ ኮሚቴ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ብዝገበሮ ምርብራብ ዛጊድ 241 ሚሊየንን 314 ሺሕን 504 ብር ናብ ኮምቴ ኣታዊ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ሕዚ ንመበል ሳልሳይ ግዘ ግዱድ ፀገም ናብ ዘለዎን ከተማታት ኣኽሱም፣ ዓዲግራት፣ ሓውዜን፣ እንትጮ፣ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ፣ ጭላ፣ ኣሕሰኣ፣ ላዕላይ ማይጨው፣ ዓዲጉዶም፣ ውቕሮ፣ ፍረወይኒ፣ ኣፅቢ፣ ሃገረሰላምን ታሕታይ ማይጨውን ብ18 መኻይን ምጉዕዓዝ ከምዝጀመረ ኣባል ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣባ ጥዑም በርሀ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.