Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክውሃብ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ብብርኪ ክልል ብሄራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ካብ ሎሚ መዓልቲ 11 ክሳብ 13 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝወሃብ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኪሮስ ጉዕሽ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ፈተና ንክፍተኑ ልዕሊ 120 ሺሕ ተምሃሮ ከምዝተዳለዉ ገሊፆም።

“ተምሃሮና ፍረ ፃዕሮም ንክረኽቡ ብሽም ማሕበረሰብ ትምህቲ ትግራይ ሰናይ ትምኒተይ ክገልፅ እፈቱ” ድማ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.