Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ሰብ ሃፍቲ ንምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝገብርዎ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ሰብ ሃፍቲ ንምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝገብርዎ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ተገሊፁ።

በዓል ሃፍቲ ኣይተ ሃይለ ተ/ኪሮስ (ሃይለ ላምባ) ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ብር 6 ነጥቢ 2 ሚልየንን ንምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣበርኪቱ።

ብተመሳሳሊ አብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ 4 ወኪላት ቢራ ዳሽን ብር 100 ሽሕ ዝግመት 300 ኣንሶላን 668 ማስክን ለጊሶም።

ፋብሪካ ኣልኮልን መስተን ጎልደን ድማ 200 ኣንሶላ፣ 1 ሺሕን 8 ሳሙናን 200 ሊትሮ ኣልኮልን ነቲ ምምሕዳር ኣረኪቦም ኣለዉ።

ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢ/ር ኣርአያ ግርማይ፥ ብምኽንያት ህፁፅ አዋጅ ስርሖም ጠጠው ዘበሉ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተፀገሙ ወገናትን በቢጣብይኡ ተፀኒዖም እቶም ዝወሃቡ ሓገዛት እናከፋፈሉ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

ተወካሊ ኣይተ ሃይለ ተ/ኪሮስ ዝኾኑ ኣይተ ገይቱ ሓዱሽ ብግደኦም፥ ሕማም ኮቪድ 19  ንምክልኻል ኣብ ጎድኒ ህዝብን መንግስትን ጠጠው ከምዝብሉ ገሊፆም።

እቲ ሕማም መፀዋዕታ ኣብ ምክልኻል ዘድልዮ ስለዘይኮነ ብናይ ባዕሎም ተበግሶ ከምዘወፈዩን ኩሉ ሕብረተሰብ ነቲ ሕማም ንምምካት እጃሙ ክዋፃእ ከምዝግበኦን ዝገለፁ ድማ ወኪል መከፋፈሊ ቢራ ዳሽን አይተ ሳምሶን ከበደ እዮም።

ብኪዳነ ሰይፋ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.