Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ንዘድሊዮም ወገናት ሓገዝ ህፁፅ ግዘ ይቐርብ ኣሎ-ሚኑስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ግሕሪ ምዝዛሙ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ተረባሕቲ ሃነፅቲ ምግብታትን ኣቕርቦት ሕክምናን ክበፅሖም ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ሰላም፥ ሰብኣዊ ደገፍ ንዘድሊዮም ወገናት ሓገዝ ህፁፅ ግዘ  ይቐርብ ከምዘሎ ኣፍልጡ።

ኣብቲ ክልል 2 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ተረባሕቲ ንምትእንጋድ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ እውን ገሊፁ።

እቲ  ሚኒስቴር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ብመሪሕነት ማእኸል ምእሕብባር ህፁፅ ግዘ  ኮሚቴ ሚኒስቴራት ህፁፅ ድልየታት ንምምላእ ዓሊሙ ምስ ኣብያተ ዕዮ ሚኒስቴራት፣ ቢሮታት ክልል፣ ትካል ሕቡራት  መንግስታትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ጉጅለታት ቴክኒክ ዘካተተ ማእኽ ምትሕብባር ኦፕሬሽን ህፁፅ ግዘ ኣብ መቐለ ተጣይሹ።

ብተወሳኺ መከፋፈልቲ ቦታታት ክልል፣ ዞባ፣ ወረዳን መከፋፈልቲ ምግብን ዘካተተ ውዳበ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተሓቢሩ።

ነቶም ዜጋታት ዘድሊ ኣቕቦት ንምቕራብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቲ ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ብምውዳድ  ይሰርሕ ኣሎ ተባሂሉ።

እቲ ምክፍፋል ሓገዝ፥ ብብህራዊ ኮሚሽን ሓደጋን ድልውነትን፣ ዓለም ለኸ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ደገፍ
(ዩ.ኤን.ኦቻ)፣ ዓለም ለኻዊን ሃገራዊን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካኣት ከምኡ ውን መርሃ ግብሪ ሰፍቲኔትእፍፀም ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ምክፍፋል ኣብ ከተማ ኣክሱም፣ ዓዲግራት፣አላማጣ፣ መቐለ፣ ሽረን ከባቢ መቐለን ካብ ዝርከቡ ማእኸላት ጣብየታእ ምክፍፋል አዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ከይዲ ደቂ አኒስቲዮ፣ ህፃናት፣ ኣረጋውያንን ኣካእ ጉድኣትን እቲ ሓገዝ ቀዳምነት ክረኽቡ ይግበር  ኣሎ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.