Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ሰላምን ምርግጋዕን ንከይህሊ ዝንቀሳቐሱ ዝተወሰኑ ኣባላት ዲያስፖራ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ይግባእ-ዶክተር ሙሉ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ሰላምን ምርግጋዕን ንከይህሊ ዝንቀሳቐሱ ዝተወሰኑ ኣባላት ዲያስፖራ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ይግባእ ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ሙሉ ነጋ ገሊፆም።

እቶም ኣባላት ዳያስፖራው፥ መንግሥቲ ኣብ ትግራይ ክልል ይገብሮ ንዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን ምትካል እግሪን ንክድግፉ እውን ሓቲቶም።

ዝተወሰኑ ኣባላት ዲያስፖራ ብስሜታዊነት እቲ ክልል ቀጠና ጦርነት ካብ ምምሳል ንክወፅኡ ሓቲቶም።

ንባዕልቶም ዝተደላደለ ናብራ እናነበሩ ነቲ ክልል ናብ ዘየቋርፅ ኩይናት ንክኣቱ ንምግባር ምስራሕ ሕልና ኣልቦነት ኢዩ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ ካብዚኦም ንብዕሉ ንክሕሉ ድማ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ክልል ካብ ፀገም ንምውፃእ መፍትሒ ዝኸውን ምዝርራብን ምዝታይን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣባላት ዲያስፖራ ብዝተወደበ መገዲ ሓሳቡ ናብቲ ክልል ከቕርብ ከምዝግባእ ድማ ገሊፆም።

ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መሓዉሩ ኣብ ኣብዝሓ ወረዳታት ከምዝዘርገሐ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.