Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈፀመ ቅትለት ሰለማውያን ዜጋታትን ፆታዊ ዓመፅን ብምትሕሓዝ ኣብ ልዕሊ 53 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈፀመ ቅትለት ሰለማውያን ዜጋታትን ፆታዊ ዓመፅን ብምትሕሓዝ ኣብ ልዕሊ 53 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክሲ ከምዝተመስረተ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ምስ ሓላፊት  ቋንቋታት ወፃኢን ዲጂታል ሚዲያን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ መራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ መግለፂ ሂቦም።

እቶም ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፥ ኣብ ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ  ብሓባር ብምዃን ይሰርሑ ኣለዉ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጥፍኣታት ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ተሓተትቲ ኸምዝኾኑ ምግላፆም ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈፀመ ቅትለት ሰለማውያን ዜጋታት 28 ከምኡውን ብፆታዊ ዓመፅ 25 ብድምሩ ኣብ ልዕሊ 53 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክሲ ተመስሪቱ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.