ኣብ ትግራይ ሎሚ ዘበን ሙሉእ ብሙሉእ ኢንሹራንስ ሕርሻ ንምትእትታው ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መድሕን ውሕስና ሕርሻ ንህንፀትን ጥንካረን ሓረስቶት ክልል ትግራይ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዘራእቲ ኢንሹራንስ ጠመተ ዝገበረ ስልጠና ተዋሂቡ።
ሓላፊ ኤንጀሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ልምዓት ዕዳጋን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ፥ እቲ ስልጠና ኣብ ዙርያ ኢንሹራንስ ዝራእቲ ማእኸል ዝገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ዓለም ብዝተፈላለዩ ተፈጥራዊ ሓደጋታት ኣብ ዘራእቲ ጉዱኣት እናበፅሐ ይርከብ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ድርቂ ናብ ዘይግመተሉ ብርኪ እናበፀሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢንሹራንስ ዘራእቲ ብብርኪ ሃገር ክወፅእ ይስራሓ ኣሎ ድሕሪ ምባል፥ ኣብ ትግራይ ድማ ኢንሹራንስ ዘራእትን እታወታት ብምጥቃምን ሎሚ ዘበን ሙሉእ ብሙሉእ ኢንሹራንስ ሕርሻ ከተኣታተው ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 19 ወረዳታት እቲ ክልል ብብርኪ ፈተነ ኢንሹራንስ ዘራእቲ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።
ዳይሬክተር ፑላ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ዳግማዊ ሃይለየሱስ ብግደኦም፥ ፑላ (pula) ኣብ ኢንሹራንስ ሕርሻ ዝሰርሕ ትካል እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝሓዝናዮ በጀት ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ 1 ሚልየን ሓረስቶት ንምምዝጋብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።