Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 9 ቢሊየን ብር ካፒታል ንዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 9 ቢሊየን ብር ካፒታል ንዘመዝገቡ 500 ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝተውሃቦም ኮሚሽን ኢቨስትመንት ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ዳኒኤል መኮነን ከምዝበልዎ፥ እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዓውዲታት ማኑፋክቸሪንግ፣ ቱሪዝም፣ ማእድን፣ ኮንስትራክሽንን ካልኦት ዓውዲታትን ዝዋፈሩ ኢዮም።

እቶም ፕሮጀክትታት እንትዛዘሙ ኣስታት 10 ሺሕ ዝኾኑ ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፍጠረሎም እውን ኣይተ ዳኒኤል ሓቢሮም።

እቲ ፍሰት ኢንቨስትመነት ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር፥ ብካፒታል 1 ቢሊየን ብር ከምኡ እውን ብሰብ ሃፍቲ ናይ 92 ሰብ ወሰኽ ከምዘለዎ ድማ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዝተረጋገዐ ሰላም ምህላዉን ፍቓድ ኢንቨስትመንት ዝህብ ትካል ተወሳኺ ግልጋሎታት ንክህብ ብዘኽእል መልክዑ ብብርኪ ኮሚሽን ከምብሓዱሽ ምጥያሹ፥ ፍሰት ኢንቨስትመንት ንክውስኽ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ሎሚ ዘበን ፍቓድ ኢንቨስትመንት ካብ ዝተውሃቦም 9 ቢሊየን ብር ካፒታል ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ፥ እቲ 148 ሚሊየን ብር ፋብሪካ መፍረዪ ክሎሪን መፅራይ ማይ ንምኽፋት ዝሓተቱ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ግዜኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.