Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 35 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝሽፍን ካርታ ተኸላ ፈልሲ ተዳሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 35 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝሽፍን ካርታ ተኸላ ፈልሲ ከምዝተዳለወ ቢሮ ሃፍቲ ተፈጥሮን ሕርሻን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን እዋን ክረምቲ ዝትከሉ ፈልስታት እኹል ክንክንን ሓለዋን ንክግበረሎም ዘኽእል ካርታ ይዳሎ ከምዘሎ እውን ተዛሪቡ።

ዳይሬክተር ኣጠቃቕማን ልምዓትን ደኒ እቲ ቢሮ ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት፥ ኣብቲ ክልል ሎሚ ዘበን ንዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፈልሲ ንምትኻል ዘኽእል ምድላዋት ይግበር ኣሎ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 35 ሺህ ሄክታር መሬት ዝሽፍን መትኸሊ ቦታ ከምዝተዳለወ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ካብ ናይ ዝሓለፈ እዋን ዝፍለ ኣብ ዓቐበትን ንደኒ ተባሂሎም ኣብ ዝተኸለሉ ቦታታትን ንምትካል ምድላው ምግባሩ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.