ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ወርሒ መስከረም መወዳእታ ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ 29 መስከረም ክሳብ 2 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ክወሃብ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።
ብሰንኪ ኮቪድ 19ን ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናትን ኣብ 2012 ዓ.ም ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ንዘይተፈተኑ ተምሃሮ ንምፍታን ዘኽእል ምድላው ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኣብቲ ክልል ሓፈሻዊ ስሩዕ ትምህርቲ ካብ 24 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ይወሃብ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ብፍላይ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ሰሙን ብዘይካ ሰንበት ንሽዱሽተ መዓልታት ቀንዲ ቀንዲ ዓይነታት ትምህርቲ ንክመሃሩ ከምዝተገበረ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።
እቶም 12 ክፍሊ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣርባዕቲአን ዩንቨርስቲታት ብመእታው መጠናኸሪ ትምህርቲ ይወስዱ ከምዘለዉ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምስ ግዜኢ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ 29 መስከረም ክሳብ 2 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ክወሃብ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።