Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ምሃብ ተጀሚሩ።

እቲ ፈተና ካብ 2 ክሳብ 12 ሓምለ 2016ዓ/ም ክወሃብ ኢዩ።

ኣብ ትግራይ  ልዕሊ 54 ሺሕ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቐቒ ፈተና ክወስዱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ላዕለውት ሓለፍቲ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዕሊ ምሃብ ተጀሚሩ።

ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ማሕበራዊ ልምዓት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክንደያ ገብረሂወት(ፕሮፌሰር)ን  ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኪሮስ ጉዕሽ(ዶክተር)ን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቐፅሪ ኣሪድ ብኣካል ተረኺቦም ከይዲ እቲ ፈተና እንታይ ከምዝመስል ትዕዝብቲ ኣካይዶም ።

ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ  ሃገራዊ ፈተና፥ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓድግራት፣ መቐለ፣ ኣኽሱምን ራያን ይውሃበ ከምዘሎ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.