Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትካላት ጥዕና መንግስቲ ዲጅታላይዝ ኣገልግሎት ዝርገሐ መድሓኒት ተግባራዊ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን ዲጅታላይዝ ኣገልግሎት ዝርገሐ መድሓኒት ተግባራዊ እናተገበረ ምዃኑ ኣገልግሎት ቀረብ መድሓኒት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ቀረብ መድሓኒት ኢትዮጵያ ሰለሞን ንጉሴ፥ ኣፋውስ ካብ ወፃኢን ውሽጢ ዓድን ዓዲግካ ብምኽዛን ስራሕቲ ምክፍፋልን ምብፃሕን ብዝተጠናኸረ መንገዲ ዋላ’ኳ እንተተሰርሐ፤ ሐዚ እውን ኣፋውስ ኣብ መኻዚኖ እናሃለወ ሕፅረት ከምዘጋጥም ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዕድጊት ኣፋውስ ዲጅታላይዝ ክግበር ምኽኣሉ ልዑል ኣስተዋፅኦ ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

ምብፃሕን ምክፍፋልን ኣፋዉስ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ንምግባር ዝተጀመሩ ፃዕርታት ቀፃሊ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ መዳርግቲ ትካላት ዝሳተፍሉ ዘበናዊ ስርዓት ሓበሬታ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ፕሮግራም ጥዕና ዝካተቱ ኣፋውሳት ካብ ክፍሊት ናፃ ብምግባር ንተገልገልቲ ብቕልጡፍ ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ተግባራዊ እናኾኑ ከምዝርከቡ እውን ገሊፆም፡፡

ኣብ ጥዕና ፕሮግራም ዝካተቱ ኣፋውሳት ቀረብ ኣብ ምግባር ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ዕውት ስራሕ ከምዝተሰርሐ እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ሓቢሮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.