Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ምክልኻል ዝርከባ ከተማታት ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ይስራሕ ኣሎ – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ኣቕርቦትን ኣገልግሎትን ኣብ ምጅማር ኣመልኪቱ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ መግለፂ ሂቡ።

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ሰሙን ዝተወሰኑ ከተማታት ከምዝተቖፃፀረ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ እቲ ሰራዊት ኣብ ከባቢ ከተማታት ውግእ ንምውጋድ ፃዕሪ ከምዝገበረ እውን ኣብሪሁ።

ብምዃኑ ንፁሃን ከይጉድኡ ዝገበሮ ልዑል ፃዕሪ ዕዉት ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ ሰራዊት ምክልኻል ኣብዚ ሕዚ እዋን ከተማታት ኣላማጣ፣ ሽረን ኮረምን ብዘይ ውግ ከተማ ክቆፃፀር ምኽኣሉ ኣመልኪቱ።

እቲ ሰራዊት ሓደ ሓደ ፕሮፓጋንዳ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምግዋሕ ዝተንበዩዎ ሕማቕ ኩነታት ከትርፍ ከምዝኸኣለ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቲ ሰራዊት ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ምስ ዝምልከቶም ሓገዝቲ ትካላት ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስቶም ትካልት ብምውዳድ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝቐርበሎም መገዲታት ንምስፋሕ ምድላው እናገበረ ከምዝርከብ ፀሪሑ።

እቲ መግለፂ÷ ካብ ሰሜን ጎንደር ክሳብ ሽረ ዘሎ ከባቢ ሓዊሱ ካብ ኮምቦልቻ-ደሴ-ወልዲያ-ቆቦ-ኣላማጣ ዘሎ መገዲ ንምኽፋት ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ዝግበር ምድላው ቴክኒካዊ ዳህሳስን ምዘናን ሓዊሱ ብጎንፂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ኣገልግሎት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዘድልዩ ስራሕቲ ከምዘካትት እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.