ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘሎ ክፋል ኣፍሪካ ኣብ 2024 ዝሐሸ ዕቤት ኢኮኖሚ ክምዝገብ ኢዩ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘሎ ክፋል ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2024 ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሐሸ ዕቤት ኢኮኖሚ ክምዝገብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ባንኪ ዓለም ገሊፁ።
እቲ ባንኪ ኣብ ዘውፀኦ ሓዱሽ ፀብፃብ÷ ብመፅናዕቲ ዘረጋገፆ ቅድመ-ግምት ዕላዊ ገይሩ።
ኣብ ፀብቡ ድማ ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ትሕቲ ሰሃራ ዝርከብ ክፍሊ ኣፍሪካ 3 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ማእኸላይ ዓመታዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ከመዝግብ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብዝበለፀ ክብ ብምባል 3 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ማእኸላይ ዕቤት ከምዝህልዎ ትፅቢት ከምዝግበር እውን ተገሊፁ።
ባኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ከባቢ ዝተመዘገበ ማእኸላይ ዓመታዊ ዕቤት 2 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዝነበረ እንትኸውን÷ ብዝተፀርሐ ቅድመ ግምት መሰረት ሎሚዘበን ዝሐሸ ምንቕቓሕን ዕቤትን ኢኮኖሚ ክምዝገብ ኢዩ ተባሂሉ።
ባንኪ ዓለም እቲ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንኽመሓይሽ ብዋናነት ዘቐመጦ÷ ኣብ ከባቢ ዝቕባበ ዋጋ እናከየ ስለዝኸይድን ነዚ ስዒቡ ድማ ነብስ-ወከፍ ኣታዊን ናይ ምግዛዕ ዓቕሚን ስለዝውስኽን ኢዩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com