Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ታይላንድ ኣውቶቡስን ባቡርን ተጋጭየን ብዝጋጠመ ሓደጋ ህይወት 18 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ታይላንድ ኣውቶቡስን ባቡርን ተጋጭየን ብዝጋጠመ ሓደጋ ህይወት 18 ሰባት ምሕላፉ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ካብ ምብራቓዊ ባንኮክ 50 ኪሎ ሜትሮ ርሕቕ ኢሉ ዘጋጠመ እንትኸውን፥ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ሰባት ብተወሳኺ ብዙሓት ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ።

ኣብታ ኣውቶቡስ ዝነበሩ 60 ተሳፈርቲ መወዳእታ ፆም ቡድሂስት ንምዝካር ናብ በተመቕደስ እናኸዱ ዝነበሩ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ይኹን እምበር እታ ኣውቶቢስ ሃዲድ ኣቋሪፃ ንምሕላፍ እንትትፍትን ካብ ምብራቓዊ ኣንፈት እታ ሃገር ናብ ባንኮክ እናመፅአት ምስ ዝነበረት ባቡር ተጋጪያ ኢያ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ውቶቡስ ልዑል ሓደጋ ምብፅሑ ካብቲ ቦታ ዝወፅኡ ምስሊታት ተራኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ታይላንድ ፕራዩት ቻን ኦቻ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ስዒቡ መግለፂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ መበገሲ እቲ ሓደጋ ንምፅይ ዓሚቕ ምርመራ ንኽግበር ፀዊዖም።

ኣብ ሃገረ ታይላንድ ብምኽንያት ድኹም ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ምጭንናቕ ትራፊክን ተደጋጋሚ ሓደጋታት ከምዘጋጥሙ ይግለፅ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ካብ ዓለም ብሓደጋ ትራፊክ ብዙሓት ህይቶም ካብ ዝስእኑለን ሃገራት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዑዋ ኢዩ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.