ኣብ ታንዛኒያ ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብዝዛመድ ኣብ ማሕየር ንዘለዉ ኢትዮጵያዊያን ናይ ሓባር መፍትሒ ንምድላይ ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ታንዘኒያ ዘካተተ ስራሕቲ ለውጢ ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ።
እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኢትዮጵያዊያን መናእሰይ ብኬኒያን ታኒዛኒያን ኣቋሪፆም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ እንትጓዓዙ ዘጋጥሞም ሓደጋ ብሓባር ንምፍታሕ ዘኽእል ስምምዕነት ገይሮም።
ዝውውዕ መዐወኒ እፅ ብሓባር ንምክልኻል፣ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ፖሊስ ሓቢርካ ንምስራሕን ልምዲ ንምልውዋጥን ተስማዕሚዖም።
ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል፥ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ለውጢ ኣብ ምክልኻል ገበን፣ ምርመራን ቴክኖሎጂን ዝበፅሖ ብርኪ ብዝምልከት መበርሂ ሂቦም።
መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ታኒዛኒያ ፖሊስ ኢንስፔክተር ጄነራል ሲሞን ኞኮሮ ስሮ፥ ብዛዕባ እቲ ለውጢ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።
ካብ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ሓደ ጉጅለ ናብ ታኒዛኒያ ብምኻድ ምስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብዝዛመድ ኣብ ማሕየር ንዘለዉ ኢትዮጵያዊያን ናይ ሓባር መፍትሒ ንምድላይ ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።