Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ታሕቲ ካብ ዝቐረበ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ህወሓትን ካብ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ወፃእ ዝፍነዉ ሓሬታታት ዘይተማልኡን ከሰሓሕቱ ዝኽእሉን ኢዮም – ኣምባሳደር ሬድዋን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣማኻሪ ሚኒስትር ብሔራዊ ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ህወሓትን ካብ ዝተበፅሐ ትኽክለኛ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣጋዊሖም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ÷ እቲ ስምምዕነት ዝተፈረመ ድሕሪ ብዙሕ ኣድካሚ ክትዓትን ዝርርባትን ምዃኑ ምግንዛብ ከምዝግባእ ገሊፆም።

“ብምዃኑ ካብ ክልቲኦም ተዛተይቲ ወገናት ዝቐረቡ ብዙሓት ረቀቕቲ ይንበሩ እምበር ኣብ ስምዕነት ዝተበፅሖን ተቐባልነት ረኺቡ ዝተፈረመሉን ሰነድ ግን ኣብ ታሕቲ ዝተቐመጠ ኢዩ” ክብሉ ኣፍሊጦም።

ኣምባሳደር ሬድዋን እናተጋውሑ ዝርከቡ ሓበሬታታት ቅድም ክብል ዝተሰናድኡ ሓበሬታታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ግምቶም ኣቐሚጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.