ኣብ ቱርክ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ፈንጂ ህይወት 12 ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሰሜን ምዕራብ ቱርክ ከተማ ባልኬሲር ኣብ ፋብሪካ ኣፅዋራት ኲናትን ፈንጂን ብዘጋጠመ ፍንጀራ ህይወት 12 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።
ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት እውን ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ።
መበገሲ እቲ ሓደጋ ከምዘይተፈለጠን ተወሳኺ ሓደጋ ንከየጋጥም ነቲ ኩነታት ምቁፅፃር ከምዝተኽኣለን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዓሊ ዬርሊካያ ተዛሪቦም።
ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ጉጅለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊሱ ክኢላታት ጥዕናን ድሕንነትን ናብቲ ከባቢ ከምዘቕንዑ ቢቢሲ ፀብፂቡ።