Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቱርኪን ሶሪያን ርዕደ መሬት ካብ ዘጋጥም ድሕሪ 9 መዓልቲታት ብህይወት ዝተረፉ ጓል 77 ዓመት በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ተረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቱርኪን ሶሪያን ርዕደ መሬት ካብ ዘጋጥም ድሕሪ 9 መዓልቲታት ብህይወት ዝተረፉ ጓል 77 ዓመት በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ሰበይቲ ከምዝተረኸባ ተገሊፁ።

እተን ውልቀ ሰብ÷ ኣዲያማን ኣብ ዝተብሃለት ደቡብ ምብራቕ ቱርኪ ትርከብ ከባቢ ኣብ ዝፈረሰ ኣባይቲ ኢየን ብህይወት ተረኺበን፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝወፅኡ ሓበሬታታት ከምመላኸቱዎ÷ ኣብተን ሃገራት ብዘጋጠመ ርዕደመሬት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 41 ሺሕ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ኣብ ቱርኪ 35 ሺሕን 418 ሰባት ከምኡ እውን ልዕሊ 5 ሺሕን 800 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ሰብኣዊ ቀረባት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ካብ ቱርኪ ብባብ-ኣል-ሳላም ናብ ሰሜን ሶሪያ እናኸዳ ከምዝርከባ ተሓቢሩ፡፡

ውሕመ ብህይወት ንዝተረፉ 5 ሚሊየን ሶሪያውያን መዕቖቢ፣ መሕለዊ ጥዕናን ምግቢን ንምብፃሕ 397 ሚሊየን ዶላር ከምዘድሊ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.