Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ተፋሰስ ኦጋዴን ዝለምዐ ጋዝ ተፈጥሮ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣብ ክልል ሶማሌ ተፋሰስ ኦጋዴን ዝለምዐ ጋዝ ተፈጥሮ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ዘኽእል ስምምዕነት ንግዲ ተፈራሪሙ።

ኣብ ከባቢ ኦጋዴን ሸሞንተ ትሪሊየን ጫማ ዝግመት ጋዝ ተፈጥሮ መጠኑ እናተፈለየ ዝርከብ ክዙን ናይ ነዳዲ ፈሳሲ ስለዝተረኸበ ናብ ልምዓት ንምእታው ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ካሉብን ሂላላን ከምኡ እውን ሽላቦ ዝተብሃሉ ዓውዲታት ጋዝ ተፈጥሮ ንምልማዕ ፖሊ ጂ ሲ ኤል ፔትሮሊየም ኢንቨስትመንት ምስ ዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና ስምምዕነት ንግዲ ጋዝ ተፈጥሮ ሎሚ መዓልቲ ተፈራሪሙ ኣሎ።

እቲ ስምምዕነት ኣብተን ከባቢታት ዝለምዐ ክዙን ጋዝ ተፈጥሮ ብመስመር ቱቦ ብምትሕልላፍ ናብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንምቕራብ ዘኽእል ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ መዓልቲ 190 ሚሊየን ኪዩብ ጫማ ኣብ ሃገር ውሽጢ ንዝህነፅ ናይ መዳበሪያ ፋብሪካን ካልኦት ዘድልዩ ነገራትን እናተርኣየ ቀረቡ ከምዝውሰን ተገሊፁ።

ናብ ወፃኢ ዝለኣኽ ጋዝ ተፈጥሮ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዝዝርጋሕ መስመር ኣብ ጂቡቲ ንዝህነፅ ጋዝ ተፈጥሮ ናብ ፈሳሲ መቐየሪ መቀነባበሪ ፋብካ ዝቐርብ ምዃኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ድማ ኣብ መዓልቲ 215 ሚሊየን ኪዩብ ጫማ ጋዝ ተፈጥሮ ናብ ፋሳሲ ብምቕያር ኣብ ዓመት 1 ነጥቢ 5 ሜትሪክ ቶን ፈሳሲ ጋዝ ንምቕራብ ከምዘኽእል ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.