Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ተፋሰስ ሃገራት ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ሓገዝ ዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ተፋሰስ ሃገራት ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ሓገዝ ዝምልከት ዘተ ከምዝተሳለጠ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብተን ሃገራት ምስዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ተዛቲዮም ኢዮም።

እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ንህንፀት እቲ ግድብ ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምግላፆም እቶም ኣቐባሊ ቓል ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ሚኒስትር ዲኤታ ዳያስፖራ ኣብ ጂቡቲ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ታካላትን ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገርን ልዝብ ኣካይዶም ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ዜጋ ዘተኮረ ዲፕሎማሲ መሰል ኢትዮጵያውያን ንምሕላው ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና፥ ምስ ቆንስላ ቤሩት ብምትሕብባር 80 ናይ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሰነድ ከምዝተዳለወሎም ገሊፆም።

ምስ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝሓሸ ምቅርራብ ኣሎ ዝበሉ እቶም ኣቐባሊ ቓል፥ መሰል ዜጋታት ንምሕላው ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኢዩ።

ብኮቪድ-19 ዝተጎድአ ዘፈር ቱሪዝም ኣብ ዝመሓየሸሉ ኩነታት ኣድሂቡ ምስ ኣካላት እቲ ዓውዲ ዘተ ምክያዱ እውን ኣገንዚቦም።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.