Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብርክት ዝበላ ንትግራይ ዘዋስና ወረዳታት ዝፍልፈል ዘሎ ኣንበጣ በረኻ ብዝተዋደደ ሓይሊ ይውቃዕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ብርክት ዝበላ ንትግራይ ዘዋስና ወረዳታት ኣንበጣ በረኻ እንዳተፈልፈለ እንትኸውን ብዝተዋደደ ሓይሊ ይውቃዕ ከምዘሎ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ብሄራዊ ክላዊ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ጥፋእ ልዑል ምትሕብባር ስለዝሓትት ፃዕርታትና ነጠናኽር ክብል እቲ ቢሮ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሓደጋ እዚ ዕስለ ንዳሓር ስለዝኾነ ልዑል ጥንቃቐ ይሓትት ዝበለ  ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ፥  ኩሉ ኣመራርሓ፣ ሰብ ሞያን ካብ ክልል ክሳብ ወረዳታትን ጣብያታትን ብትኹረት ብምክትታል ኣብ ምምካት እዚ ዕስለ ክንረባረብ ይግባእ ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፁ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.