Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብሪተኒያ ዝርከቡ ኢዮጵያውያን ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሪታንያ ከተማ ሊድስን ከባቢኣን ዝርከቡ ኢዮጵያውያን ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝውዕል ልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም።

እቲ ሓገዝ ብወራር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት “ኣነ እናሃለኹ ወገነይ ኣይጠሚን” ብዝብል መሪሕ ቃል ዘተኣኻኸቡዎ ሓገዝ ኣብ ለንደን ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣረኪቦም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ተፈሪ መለሰ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ግቡእ ዘይኮነ ፅዕንቶ ወፃኢ ብምቅዋም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዘካየዱዎ ሰላማዊ ሰልፊ ዝነኣድ ኢዩ፡፡

ምስዚ ጎድና ጎድኒ ንዝተመዛበሉ ወገናት ኣድላዪ ሓገዝ ኣብ ምግባር ንዘርአዩዎ ልዑል ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

እቶም ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ዘቕረበትሎም ፃውዒት ሓገዝ ስዒቡ ኣብ መላእ ብሪታኒያ ዓቕሞም ብዝፈቐዶ ዘሳለጡዎ ምትእኽኻብ እቶት ዝበረታታዕ ከምዝኾነ እውን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም፡፡

ነቶም ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብምውካል ነቲ ኣታዊ ዘረከቡ ተወከልቲ ናሕበረሰብ ብግደኦም፥ ንዝተመዛበሉ ወገናት ንምድጋፍ ኣብ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፃውዒት ዝከኣሎም ንምግባር ድሉዋት ከምዝኾኑ ምግላፆ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.