Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ሃላይጌ ብዝተለዓለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 100 ስኲየር ኪሎ ሜተሮ ሳዕሪን ቆጥቋን በሪሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ሃላይጌ ብዝተለዓለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 100 ስኲየር ኪሎ ሜተሮ ሳዕሪን ቆጥቋን ከምዝበሰ መተሓባበሪ እቲ ፓርክ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 2 መጋቢት 2013 ዓ.ም ቀጥሪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እቲ ፓክ ዝተለዓለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፥ መብዛሕትኡ ምቁፅፃር ከምዝተኸኣለ እቶም መተሓባበሪ ኣይተ መሓመድ እድሪስ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፆም።

ኣብ ዘሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት እቲ ሓደጋ ንምቁፅፃር ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ምፅንሑ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ሓደጋ ንምቁፅፃር፥ ጉጅለ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፣ ትካላት ልምዓት እቲ ክልል፣ ኣመራርያታት ነበርቲን ወረዳታት ኣሚባራን ሃሩካን ከምኡ እውን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ልዑል ተሳትፎን ፃዕሪን ምግባሮም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.