Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 675 ብምርካብ ልዑል ውፅኢት ዘመዝገበ ተምሃራይ ቀላሚኖ ኢዩ-ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ውፅኢት ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዕላዊ ገይሩ።
ተምሃሮ ውፅኢቶም ካብ ሰዓት 6 ለይቲ ጀሚሮም ምርኣይ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ፈተና ንምውሳድ ካብ ዝተመዝገቡ 701 ሺሕን 749 ተምሃሮ እቶም 684 ሺሕን 205 ነቲ ፈተና ከምዝወሰዱ ገሊፆም።
ዝተረፉ በዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ደንጒዮም ብምጅማሮም እቲ ፈተና ዘይምውሳዶም ገሊፆም።
ካብ መንጎ ተፈተንትቲ እቶም 29 ሺሕን 736 ንፈለማ እዋን በዝተውሃበ ፈተና ኦን ላይን ፈተነኦም ከምዝወሰዱ ሓቢሮም።
ብኦን ላይን ፈተነኦም ካብ ዝወሰዱ እቶም 26 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ምሕላፎም ተገሊፁ።
ናይ ሎሚ ዘበን ልዑል ውፅኢት 675 ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ሓቢሮም።
675 ውፅኢት ዘመዝገበ ተምሃራይ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ከምዝኾነ ድማ ኣብሪሆም።
ሎሚ ዘበን ፈተና ካብ ዝወሰዱ ሓፈሻዊ ተምሃሮ እቶም 5 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ምሕላፎም ብምግላፅ፥ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፣ ሃረሪን ኦሮሚያን ካብ መንጎ ዘፈተንዎም ዝሓሸ ቁፅሪ ምሕላፎም ገሊፆም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.