Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቤተ መፅሐፍቲ ኣብርሆት ልዕሊ 100 ሺሕ መፃሕፍቲ ዲጂታላይዝ ምግባር ከምዝተክኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ልዕሊ 100 ዲሕ መፅሓፍቲ ዲጂታላይዝ ብምግባር ሰባት ኣብ ዘለዉሉ ኮይኖም ንኽጥቀሙ ምግባር ከምዝተክኣለ ዋና ዳይሬክተር እቲ ቤተ መፅሓፍቲ ኢንጂነር ውባየሁ ማሞ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ኣብቲ ቤተ መፃሕፍቲ ልዕሊ 900 ሺሕ ሰባት ግልጋሎት ንባብ ከምዝረኸቡ እዉን ተገሊፁ፡፡

ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዘመናዊ መልክዑ ዝተሃነፀ እቲ ቤተ መፃሓፍቲ÷ ብርክት ዝበሉ መፃሓፍቲ ብምድላዉ ግልጋሎት እናሃበን ባህሊ ንባብ ንምምዕባል ዕዙዝ ኣበርክቶ እናገበረን ይርከብ፡፡

ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከቡ ዓሰርተ ዓበይቲ ቤተ መፃሓፍቲ ሓደ ብምኻን ተጠቃሲ እዩ፡፡

ኣወሃህባ ግልጋሎት እቲ ቤተ መፃሕፍቲ ኣመልኪቶም ምስ ግዜኢ ፃኒሒት ዝገበሩ ዋና ዳይሬክተር እቲ ቤተ መፃሕፍቲ ኢንጂነር ውባየሁ ማሞ÷ ኣብቲ ቤተ መፃሕፍቲ ዝርከቡ ልዕሊ 400 ሺሕ መፃሕፍቲ ኣዉቶሜትድ ከምዝተገበሩ ገሊፆም፡፡

“በዚ ምክንያት ድማ ኣንበብቲ ዝደልዩዎ መፅሓፍ ብቕልጡፍ ብምርካብ ግልጋሎት ንክረኽቡ ተካኢሉ እዩ” ኢሎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.