Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ባህሬን ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ንምኽፋት ምድላው ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ባህሬን ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ፌዴሪኢ ንምኽፋት ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ዝተመርሐ ጊጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፥ ኣብታ ሃገር ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ምኽፋት ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ንምዝታይ ናብ ባህሬን ኣትዩ።

እቲ ጉጅለ ሉኡኽ ኣብ ባህሬን እንትበፅሕ ድማ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ባህን፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኩዌት ኣብደልፈታሕ ሓሰንን ተወካሊት ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ባህሬን ወይዘሮ እስከዳር ግርማይን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ፥ ቀዳማ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዱባይ ዝገበሩዎ ዘተ ብዘቐመጡዎ ኣንፈት ስዒቡ ዝኽፈት ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ባህሬን ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት፥ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቡ ከምዝዛተ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ዝምልከቶም ክፍሊ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ባህሬን ኣብ ባህን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን መሰሎም፣ ድሕንነቶምን ረብሐኦምን ዝሕለወሉ ኩነታት ኣድሂቡ ክዛተ ኢዩ።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እታ ሃገር ክዛተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት እውን ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.