Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቢሾፍቱ ብልዕሊ 133 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተጣየሸ ፋብሪካ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ብልዕሊ 133 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ፋብሪካ መፍረዪ  መሳርሒ ሕርሻ ተመሪቑ።

ማሕበር ኣክሲዮን ጀብዱ ሞተርስ ዘህነፆ እቲ ፋብሪካ÷ ንልምዓት መስኖ ዝሕግዙ መምጠጢ ማይ (ፓምፕታት) ሓዊሱ ንፍርያት ሕርሻ ሓገዝቲ ዝኾኑ መሳርሒታት ሕርሻ ዘፍሪ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ንህንፀት እቲ ፋብሪካ ልዕሊ 133 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

እቲ ፋብሪካ ናብ ስራሕ ምእታዉ ክልል ኦሮሚያ ንሕርሻ ዝሃቦ ትኹረት ሓጋዚ ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ÷ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ሚኒትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴንን ተረኺቦም።

ካብ ምምራቕ እቲ ፋብሪካ ብተወሳኺ ንሓረስቶት መስሐቢ ማይ ከምዝተውሃበ እውን ተሓቢሩ።

ብኣዳነች ኣበበ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.