Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ካብ ዓውዲ ፍርያማነት ዝሓሸ ሸርፊ ተረኺቡ ክብሉ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2014 ካብ ዓውዲ ፍርያማነት ዝሓሸ ሸርፊ ተረኺቡ ክብሉ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ በጀት ዓመት፤ትልሚ 2015ን “ኢትዮጵያ ተፍሪ” ሃገራዊ ምንቕስቃስ ዘተ እናካየደ እዩ፡፡

ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ንግዲ ወፃኢ እቲ ዓውዲ ምዕባይ፤ኣታዊ ፍርያት ብሃገር ውሽጢ ምትካእ፤ኣጠቃቕማን ዓቅምን ፍርያማነት ምምሕያሽ ከምኡ’ውን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ትኹረት ተዋሂብዎም ካብ ሞንጎ  እናተሰርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ እቶም ቀንድታት ምዃኖም እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

በዚ እውን ካብቲ ዓውዲ ልዕሊ 500 ሚሊየን ዶላር ዝተመዝገበሉ፤ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎም ፍርያታት ብውሽጢ ሃገር ዝተተከአሉ፤ሓፈሻዊ ፍርያምነት ዓቅሚ 52 ሚኢታዊ ምብፃሕ ዝተኸኣለሉ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ነበርን ሓደሽትን  ኢንቨስትመንትታት ብምስፍሕፋሕን ብምጥንኻርን ልዕሊ 258 ሺሕ ኣማራፅታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ እውን ኣመላኺቶም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ትልሚ 2015 ንምስኻዕ ናይ ኩሉ ሓድነትን ምትሕብባርን ይሓትት እውን ኢሎም፡፡

ኣብቲ ትልሚ ዝተተሓዙ ሽቶታት ንምስኻዕ ኩሉ ናይ ባዕሉ እጃም ንክዋፃእ ፃዊዒት ምትሕልላፎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.