Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በዓል ዳሜራ ቅልጡፍ ምርመራ ኮቪድ-19ን ክታበት ንዝደልዩ ድማ ኣገልግሎት ክታበት ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በዓል ዳሜራ መሰርቀል ቅልጡፍ ምርመራ ኮቪድ-19ን ክታበት ንዝደልዩ ድማ ኣገልግሎት ክታበት ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብልዑል ኩነታት እናወሰኸ ዝመፅአ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን መከላኸሊ መገዲታት እቲ ለበዳ ብዕቱብ ኣብ ምክልኻልን ምትግባርን ልዕሊ 18 ዓመት ዕድሚኦም ዝኾኑ ሰባት ክኽተቡ ንምግባርን ኣገልግሎት ምርመራ ተበፃሒ ምግባርን ኣድላዪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ከም በዓላት ዳሜራ መስቀል፣ ኢሬቻን ካልኦት ህዝባዊ በዓላት ዝበሉ ቦታታት እቶም ኣገልግሎታት ከምዝወሃቡ ተሓቢሩ፡፡

በዓል ዳሜራ መስቀል ንምኽባር ናብ ኣደባባይ መስቀል ዝመፅኡ ዜጋታት ኣብ ኩለን መእተዊ ቦታታት ቅልጡፍ ምርመራ ኮቪድ-19ን ክታበት ንዝደልዩ ድማ ኣገልግሎት ክታበት ከምዝወሃብ ተገሊፁ፡፡

ብዛዕባ ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ ኮቪድ-19 ሓዊሱ ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ንምርካብ ከምኡ እውን ሓበሬታ ንመሃብ 925 ወይ ድማ 8335 ደዊሎም ሰብ ሞያ ጥዕና ምዝርራብ ከምዝከኣል ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.